ካብ 2012 ንደሓር ካብ ዲክታቶርያዊ ግፍዒ መንግስቲ ኤርትራ ነጻ ኰይኑ ዝርከብ ከባቢ ኣሎ። ሎሚ እተን ክልተ ዓድታት ቅኒቶን ክኒንን ባዕላተን ብደመክራሲያዊ መንገዲ ብዝመረጻኦም ነናታውተን ሽማግለታት ኪመሓዳራ ይርከባ ኣለዋ። እዘን ሽማለታት እዚኣተን ሎሚ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ የድልየን ኣሎ።

ናህና ድልየት፡ ነዘን ክኒንን ቅኒቶን ዝበሃላ፡ ብገዛእ ርእሰን ሽማግለታት ዝመሓድራ ዓድታት እዚኣተን፡ ንናይ ጥዕናን ምዕብልናን ትምህርታዊ ጉዳያተን ብዝግባእ ንኸሰላስላ ምእንቲ ክንሕግዘን እዩ። ምስጋና ንመንግስቲ ኣትዮጵያ ቆልዑት እዘን ዓድታት እዚእተን ኣብ ስግር ዶብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣትዮም ትምህርቶም ኪከታተሉ ፈቒዶምሎም ኣለዉ። በቲ ናይ ትምህርቲ መደብ መሰረት እቶም ንኣሽቱ ቆልዑ፡ ቅድሚ ስሩዕ ትምህርቲ ምጅማሮም፡ ብመዕበይ ሕጻውንቲ ኣቢሎም ኪሰጋገሩ ይግብኦም።

እታ ናይ ፈለማ ክፍጸም ዘለዎ ከዓ እቲ „ፕሮጀክት መዕበይ ህጻውንቲ“ ዝብል እዩ። ሳላ ውዕዉዕ ደገፍ ኣባላትና ድማ ብዙሕ ናይ ገንዘብን ብተቐማጦ እውን ናይ ሓይልን ሞራልን ደገፍ ስለ ዝረኸብና ስራሕ ብደሓን ይሰላሰል ኣሎ። ብዛዕባኡ ጸጸኒሕና ከነከታትለኩም ኢና።

እቲ ስዒቡ ኪካየድ ዘለዎ እውን „ማይ ሰላም Mai Selam - Wasser des Fridens ፕሮጀክት“ ኢልና ዝሰመናዮ እዩ፡ ኣብ ግብሪ ኪትርጐም ድማ ኣለዎ ንብል። ጥዕና ክልቲኡ ዓድታት ብመጠኑ ንምውሓስ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኪህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ፍታሕ ረኺብናሉስ ኣብ ቀረባ እዋን ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርካብ ክልተ ዒላታት ንክኰዓት ከም ዕዮ ንክኢላ ሂብና መደብ ኣብ ምስልሳል ተታሒዙ ዘሎ እዩ። ነዚ ጽሩይ ማይ ንምርካብ ግን ማዕረ 15000 ኤውሮ ዝበጽሕ ገንዘብ ከድሊ ምዃኑ ተገንዚብና ኣሎና።

ኣብ‘ተን ዝተፈላለያ መዓስከራት ስደተኛታ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቆልዑት፡ መጻኢኦም ንከስተኻኽሉ ምእንቲ ኣዝዩ ኣገዳስ ዝዀነ ሓገዛት ብቑልጡፍ የድልዮም ኣሎ። ብዘካ‘ቲ ንህይወቶም ዝኸውን ብልዕን ምክንኻን ጥዕናን፡ ነቲ እናደየበ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ንምግታእን ነታ ካብ ዲክታቶር ነጻ እትኸውን ኤርትራ ዕድል ንኪህልዋን ምእንቲ ትምህርቲ የድልዮም ኣሎ።  ካብ‘ዚ ተበጊስና ድማ ነተን ድሮ ኣብ መዓስከራት ስደተይና ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ንምድጋፍ „ፕሮጀክት መባእታዊ ትምህርቲ“ መድብና ኣሎና። ኣብ ዓድታት ቅኒቶን ክኒንን እውን ሓደ መባእታዊ ትምህርቲ ንምትካል መዲብና ኣሎና። እቲ ኣብያተ ትምህርታት ብመጠኑ ግቡእ ደርጃ ንኪህልዎ ምእንቲ ዝኣክል ንመምሃሪ ዘገልግል ክፍልታትን ንመምሃሪ ዝኸውን ነገራትን እኹላት መማህራንን ወዘተ. . . ዘድልዮ ምዃኑ ንርዳእ።

ዝዀነ ኰይኑ ግን እዚ ዅሉ ኣብ ግብሪ ኪፍጸም እንታድኣ ኰይኑ ሓገዛትኩም ምስ ዝህሉ እዩ። ስለ‘ዚ ድማ ሓገዛትኩም ንኽቅጽል ካብ መዓሙቕ ልብና ዝነቐለ መጸዋዕታ ነቕርበልካትኩም።