1. ስም፡ ቤት ጽሕፈትን ናይ ዕዮ ዓውደ ኣዋርሕን ማሕበር
    • 1.1 ማሕበር ብዝስዕብ ስም ይስመ፡ ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ዝተ. ማ.
    • 1.2 ቤት ጽሕፈት ማሕበር C/o ኢዮብ መዓሾ፡ ዎልፋርትስቫየረር ስትራሰ ፡ 76131 ካርልስሩሀ፡ እቲ ማሕበር ኣብ ቤት ፍርዲ ማሕበራት ማንሃይም ምይጉብ እዩ።
    • 1.3 ናይ ዕዮ ዓውደ ኣዋርሕን ማሕበር እቲ ዓመታዊ ዓውደ ኣዋርሕ እዩ።
  1. ዕላማታትን ሸቶታትን ማሕበር
    • 2.1 ማሕበር ዘለዎ ዕላማ ብመስረት‘ቲ „ካብ ቀረጽ ነጻ ንዝዀነ ሸቶታት ዝምልከት ዓንቀጽ“ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኣብ ኤርትራን ኣብ ናይ መዓስከር ስደተይናታትን ዘለዉ ሰባት፡ ብዘይ ኣፈላላይ ናይ እምነትን ፖለቲካዊ ኣረእኣያን ኣመጻጽኣ መበቈል፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ጉዳያት ዘገልግል መምርሒታት ናይ ግድን ይኽተል።
    • 2.1 ስርሓት ማሕበር ነቲ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ስምምዕ ከም ዝነግስ ምግባርን፡ ኣብ ኵሉ ባህላዊ ሸለኻት ዓለምለኻዊ ኣረኣእያን ምጽውዋርን ምክብባርን ንምስፋን ዘቕንዐ ይኸውን፡
    • 2.3 ማሕበር ነዚ ይስዕብ ዕማማት ብፍሉይ ይከታተል፡
      • 2.3.1 ንሰባት ኣብ ኤርትራን ኣብ መዓስከር ስደተይናታትን ዘለዉ ዘድሊ ደገፋት ንምግባር ገንዘባዊ ይኹን ማተሪያላዊ ሓገዝ የነዲ
      • 2.3.2 ተዓዘብትን ሓገዝትን ንኤርትራን ንመዓስከር ስደተይናታትን ይሰድድ። ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ኤርትራን መዓስከር ስደተይናታትን ንኪወሃብ ህዝባዊ መብርህታትን መግለጽታትን ይካየድ።  ንግላውን ናይ ገዛእ ረብሓን ዝምልከት ሸቶ ዘይብሉ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገረ ኤርትራ ንዝካየድ ናይ ትምህርቲ ኣተዓባብያ ጥዕና ንከባቢ ይኹን ቑጠባዊ ሚዛን ዝምልከት ፕሮጀክትታት ምድጋፍ።
      • 2.3.3 ማሕበር ባዕሉ መንቀል ፕሮጀክትታት ኪኸውን ስለ ዝኽእል ንዕኡ ዝኸውን ትካላት ይቕውም። ከም’ዚ ዝመሰለ ህላወ ናይ ባዕሉ ፕሮጀክትታት፡ ውሳኔ ዓመታዊ ጠቕላላ ኣኼባ ኣባላት የድሊ።
      • 2.3.4 ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማታትን ሸቶታትን ዘለወን ማሕበራት፡ ስርሕተን ብዘይ ጸገም ካብ ቀረጽ ናጻ ንምክያድ እዚ ማሕበር እዚ ኣድላዪ ሓባራዊ ዝዀነ ኣገባባት ይፍጽም።
    • 2.4 ነቲ ኣብ ቅዋም ተዘርዚሩ ዘሎ ሸቶታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ውጽኢታት ኣባላትን፡ ህዝባዊ ሓገዛት ምካብን፡ ካብ መንግስታዊ ደገፋትን ይኸውን።
    • 2.5 ማሕበር ብመሰረት’ቲ ናይ ሓባር ረብሓ ዝምልከት “ካብ ቀረጽ ነጻ ዝዀነ ሸቶታትን” እቲ ናይ እቶት ኣገባብ ከምኡውን በቲ ነፍሲ ወከፉ ኣብ ገጊዜኡ ዝፈቕዶ ሕጊ መሰረት ዝምራሕ ይኸውን። ስርሓት ማሕበር፡ ትርፊ ንምካብ ኣይኰነን። እቲ ማሕበር ንርሰይ ከይበለ ዝሰርሕን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ቁጠባዊ ሸቶ ቀዳምነት ዘይህብሉን እዩ።   
    • 2.6 መሳርሕታት ማሕበር፡ ቅዋም ንዝንጽሮም ሸቶታት ጥራሕ ኪውዕል ይግባእ። ኣባላት ማሕበር  ካብ መሳርሒታት ማሕበር ኣበል ኣይወስዱን። ዝዀን ይኹን ሰብ፡ ንሸቶታት ማሕበር ጓና ንዝዀኑ ወይ’ውን ብዘይተመጣጠነ ልዑል ጉንዖ ኪከሓስ የብሉን። 
    • 2.7 ኩላቶም ኣባላት፡ ናይ ኣካላት መሪሕነት ማሕበር፡ እዚ ቅዋም’ዚ ፍሉይ መምርሒ ክሳዕ ዘይሃበ፡ ኣበል ኣይወሃቡን።