ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ

ማሕበርና ማረምኤ ንሓደ ናይ ምርመራ ዓይኒ ክኢላ ኣቶ ኣሸናኣፊ፡ ብ 2,000 ብር ብምቑጻር ነርባዕተ መዓልታት ዝኸውን ወይዘሮ ማርዮን ሽፐንገር ኣብ ዘላቶ፡ ኣብ ክልቲኡ መዓስከር ስደትኛታት ናይ ምዕዳል መነጽር ስርሓት ተኻይዱ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ን208 ሰባት እቲ ዝግብኦም መነጽር ክዕደል ተኻኢሉ።

ብተውሳኺ’ውን 130 መነጽር ኣብ’ቲ መዓስከር ከም ዝቕመጥ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ

እቲ ናይ መርመራ ዓይኒ ክኢላና ንብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምምርማሩ እቲ ዘድልዮም ግቡእ መነጽራት ክወሃብ ተኻኢሉ። ናይ ፕሮጀክትና መራሕትን ሽማለታት’ቲ ሕብረተሰብን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (ARRA)ን  ዩ አን አች ሲ ኣር (UNHCR)ን ኰይኖም፡ ሓገዛቶም ኣበርኪቶም እያቶም።

ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ማሕበርና 149 መነጽራት ንተጠቐምቲ ክዕድል ክኢሉ። ብተወሳኺ’ውን 211 መነጽራት ንመጻኢ ዘገልግል ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ከነቀምጥ ክኢልና።

ነተን ሓዳስ ክኢላ ወይዘሮ በሃፍታ ካሕሳይ ድማ ኣላሊናየን። ንሰን ኣዕይንቲ መርሚረን እቲ ግቡእ መነጽር  ንሕሙማት ክህባ ክኢለን። ንሰን ብማረምኤ ብ 1600 ብር ተቖጺረን ነርባዕተ መዕልታት ኣብ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ሰሪሐን።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ዝተኻየደ ምዕዳል መነጽራት

ኣብ’ዚ መዓስከር ስደተኛታት’ዚ እውን ናይ ኣዕይንቲ መረምራ ተኻይዱን መነጽራት ተዓዲሉን እዩ። ብድምሩ 350 መነጽራት ተዓዲሉን፡ ክንድኡ ዝዀኑ ሰባት ድማ ዝሓሽ ክርዩ በቒዖም እያቶም። ኣብ’ዚ መዓስከር ስደተኛታት’ዚ ብፍላይ ብዙሓት ሕክምና ዓይኒ ዘድልያቶም ሽማግለታትን መንሰያትን ነበሩ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ዝተኻየድ ዕደላ መነጽራት

ክኢላ መርመራ ኣዕይንቲ ወይዘሮ በሃፍታ ካሕሳይ ንተጠቀምቲ ብምምርማር ንብዙሓት መነጽር ዓዲለን። 105 ዝዀኑ ሰባት ድማ ጽቡቕ ክርእዩ ክኢሎም።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ዝተኻየድ ዕደላ መነጽራት

ኣብ’ዚ መዓስከር ስደተኛታት’ዚ እውን ናይ ኣዕይንቲ መረምራ ተኻይዱን መነጽራት ተዓዲሉን እዩ። ማሕበርና ብድምሩ ማዕረ 350 መነጽራት ን ብወይዘሮ በሃፍታ ካሕሳይ ዝተመርመሩ መነጽር ንዘድልዮም ሰባት እውን ከም ዝዕደል ገቢራ እያ።